ዕላማ ትንሳኤ

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት ከጋጥሞ ምኻኑ እኳ ተፈለጠ፣ ክእለ ዘይፈተነ ስለምንታይ እዩ? ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኪፍጸሞ ዘለዎ ዕዮ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምድሪ ዝነብር ሰብ ናይ ሓጢኣት ዕዳ ክኸፍል፣ ህይወቱ በጃ ኣሕሊፉ ኺህብ ድሮ ወሲኑ ነበረ። ኣዝዩ ስለ ዜፍቅረና ምእንቲ ኽንድሕን ክመውት ፍቓደኛ ነበረ ። እዚ ዓቢ ብስራት እዩ! ምስ ኵሉ ጌጋታትናን ዘይፍጽምናናን እኳ እንተሎና፣ ክንድሕን ፈቂዱ። ብሓቂ ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ምእንቲ ኽንረክብ፣ ኣምላኽ ንወዱ ምእንታና ንኽመውት ለኣኾ።  

ብዛዕባዚ ምስ ሓደ ሰብ ከዘራረብ ይደሊ እየ፡

መጽሓፍ ቅዱስ ይደሊ እየ፡

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ 

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።  ዮሃንስ 3:16-17