መዝሙር

ብሓይሊ መስቀሉ

ጸጋ ረኺብና ህይወት እወን ተቐበልና ብሓይሊ መስቀሉ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብሓይሊ መስቀሉ ።

ፍቕሪ ስሒቡዎ

ፍቕሪ ስሒቡዎ ንክርስቶስ ካብ ሓያል ዙፋኑ ኣብጺሕዎ ኣብጺሕዎ ኣብጺሕዎ ክሳብ ሞት ።

ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዘሎ ኣምላክና

መድሓን ካብቲ ኣብ ዙፋኑ ዘሎ ኣምላክና ካቡ እዩ ዝመጽእ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ እቲ ዝመጽእ ኣይክድንጒን እዩ ።

ክብሪ ንእግዚኣብሔር

ክብሪ ንእግዚኣብሔር ኣብ ሰማያት ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ ሞንጎ ሰባት ሃሌሉያ ሃሌሉያ ሃሌሉያ ሃሌ ሃሌሉያ

ሃሌሉያ ክብሪ ንኣምላኽ ሰማይ

ሃሌሉያ ክብሪ ንኣምላኽ ሰማይ ሃሌሉያ ክብሪ ንኣምላኽ ሰማይ ነቲ ዘፍቀረና ካብ ሓጢኣትና ወን ብደሙ ሰለ ዝሓጸበና ነቲ ዘፍቀረና ካብ ሓጢኣትና ወን ብደሙ ሰለ ዝኣድሓነና

መን እዩ ዝፈልየኒ

ካብ ክርስቶስ ፈቕሪ መን እዩ ዝፈልየኒ መን እዩ ዝፈልየኒ ፧ ጥሜት፡ ስደት ድዩ ወይስ ዕርቃን እዩ ወይስ ዕርቃን እዩ ፧

ገይሩ ሰላም

ገይሩ ሰላም ኣብ ማእከልና ይቕረ ኢሉ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ ሓጢኣትና።