ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ህያው ኢዩ
ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ክመውት ከሎ ርእዮምዎ ነበሩ፣ ንሬሳኡ ውን ባዕላቶም ቐቢሮሞ ነበሩ፣ ሕጂ ግን ህያው ኰይኑ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ ኣሎ!
ኵሉ እቲ ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት፣ ነዛ ህሞት እዚኣ ንምድላው ነበረ ። ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኣብ ፈጣሪኦም ስለ ዝሓጥኡ ክዅነኑ ይግብኦም ነበረ፣ ሞት ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ናይ ሓጢኣቶም ዋጋ ኸፈለ። ሕጂ ግን ብእኡ ኣቢሎም ምሕረት ኺግበረሎም ይኽእል እዩ ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ብስራት እዚ ኩሉ ሰብ ኪሰምዕን፣ ዕድል ናይ ምንሳሕን ክህልዎን፣ ምሕረት ንኺረክብን እዩ ዝደሊ። ክርስቶስ እዚ ተስፋን ድሕነትን እዚ ንዓይን ንዓኻን፣ ንመላእቲ ዓለምን ኢዩ ዘቅርበልና ዘሎ!
ብዛዕባዚ ምስ ሓደ ሰብ ከዘራረብ ይደሊ እየ፡
መጽሓፍ ቅዱስ ይደሊ እየ፡
መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡
እምብኣርክስ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር ኣሎ።-ግብሪ ሃዋ 17 29-31