ጾሎት ዝተዓጽወ መንገዲ ይኸፍት።
ከምቲ ወለዲ ነደቆም ተገዳስነቶምን(ድሌታቶምን)፣ ተውህብታቶምን ዝፈልጥዎም፡ ፍጹም ዉህበት ምስ ተቐበሉ ኸኣ ፡ ኣብ ገጽ ዉሉዶም ሓጎስ ኽርእዩ ዝፈትዉ ወለዲ፡ ልቢ ኣምላኽ ንዓኻ እዉን ከምኡ እዩ።
ህይወትካ ብዘይረብሕ ጭንቀት ከተባኽን ኣይደሌካን እዩ። እካ ድኣ ብዝቀለለ ፍልጠት ክትነብር ትኽእል ኢኻ ፡ንሱ ድማ ኣምላኽ ንዓኻ ከም ዝግደሰልካን(ዝሓሌልካን)፡ብፍታው ድማ ንደቁ ከም ዝባርኽን እዩ። ጾሎት’ሲ ዜድልየካ ነገራትካን ባህግታትካን ከም ዘሎካ ፡ ንኣምላኽ ከም እትኣምኖ ዘርኢ መንገዲ እዩ። ክትገብሮ ዘሎካ ነገር ንኣምላኽ ምልማን እዩ።
ምሳኻ ዝጽሊ ሰብ ትደሊዶ ? ወይ ድማ ብዛዕባ እዚ ዛንታ ዝያዳ ከተንብብን መጽሓፍ ቅዱስ ኽትረክብን ትደሊዶ ?
ብዛዕባዚ ምስ ሓደ ሰብ ከዘራረብ ይደሊ እየ፡
መጽሓፍ ቅዱስ ይደሊ እየ፡
ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ።
ያዕቆብ 1:17